Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

“ኣብያተ ምኽሪ ብስርዓት ዝተመደበ ኣመሓዳሪ ስልጣን ኣረክብ ዝብላሉ ዘለዋ መንገዲ ዕልዋ መንግስቲ እዩ”

         ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ 

ኣብ ህልዊ ፓለቲካዊ፣ጸጥታዊን ማሕበራውን ጉዳያት ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ “ኣብያተ ምኽሪ ብስርዓት ዝተመደበ ኣመሓዳሪ ስልጣን ኣረክብ ዝብላሉ ዘለዋ መንገዲ ዕልዋ መንግስቲ እዩ”ኢሎም።

ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ማእኸል ገይሩ ኣብ ዝንቀሳቐስ ውድብ ንውልቁ ዝሓስብ መራሕነት ካብ ዝፍጠር ነዊሕ ኮይኑ እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ ስልጣን ንኣና እዩ ዝግበኣና ዝብሉ ኣጀንዳ ህዝቢ ጨውየም ብሓይሊ እውን እንተኾነ ድሌቶም ንምፍጻም ሓሳባት ጎንጺ፣ ዕግርግርን ዝፈጥር መልእኽትታት የሕልፉ ኣለው ኢሎም።

ተመንጢለዮ ዝብልዎ ስልጣን ንምምላስ ፣ ሓደገኛ ምንቅስቓስ ይካየድ ኣሎ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ፤ካብ ጸለመ ሓሊፉ ፕረዚደንት ክሳብ ምልዋጥ ዝኸደ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።

ትኹረትና ህዝቢ ትግራይ እዩ ክኸውን ዝግባእ ነይሩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ ንወንበር ክበሃል ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምትዕንቓፍ ስራሕቲ ተጋዲዱ ከምዝቐጸለ ገሊጾም።

ሰራዊት ኣብ ጎንና እዩ እናበልካ ሓይሊ ጸጥታ ክከፋፈል ብዘኽእል መንገዲ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ናይ ውልቀ ሰባት ናይ ስልጣን ጽምኣት ንምርዋይ ተሓሳቢ ዝገበረ ስራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ኩሉ ነገር ተቆጻጺሩ ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ ሓይሊ ፣ሐዚ’ውን ሓይሊ ጸጥታ ተቆጻጺርካ ፣ሚድያ ተቆጻጺርካ፣ብልሙድ መንገዲ ንምኻድ ንናይ ውልቀ ረብሐ ንምርግጋጽ ፤ምስ ጸላኢ ዝብሎ እናተደራደረ ይርከብ እውን ኢሎም።

ዕልዋ መንግስቲ ይፍጸም ኣሎ ዝብል ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ከብርሁ ዝተሓተቱ እቶም ፕረዚደንት ፤ ስልጣን ንዓይ ጥራሕ እዩ ዝግበኣኒ ኢሉ ዝኣምን ጉጅለ ኣብያተ ምኽሪ ጨውዩ ፣ መራሕቲ እናለወጠ፣ ካብ ጣብያ ክሳብ ክልል ዘሎ መሓውር ካብ ኣግባብ ወጻኢ ንምቑጽጻር ዝፈጠሮ ምንቅስቓስ እዩ ዕልዋ መንግስቲ ዝበልናዮ ኢሎም።

ኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ብምልዕዓል ስልጣን ኣመሓደርቲ ክልወጥ ምስራሕ ተግባር ዕልዋ መንግስቲ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው፤ መንግስቲ ንምፍራስ ዝግበሩ መድረኻት ብበጀት መንግስቲ ይሳለጡ ዘለው ምዃኖም እውን ገሊጾም።

ኣብያተ ምኽሪ ብስርዓት ዝተመደበ ኣመሓዳሪ ስልጣን ኣረክብ ዝብላሉ ዘለዎ መንገዲ ዕልዋ መንግስቲ ምዃኑ ገሊጾም።

ሓይልታት ጸጥታ ምሳና እዩ ዝብል ዘረበ እዚ ሓይሊ ተጠቂምና ካብ ስልጣን ክንኣልየኹም ኢና ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ተደልዩ ዝሓልፍ መልእኽቲ ምዃኑ እውን ኣገንዚቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *