ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ወረዳ ፀለምትን ከተማ ማይፀብርን ዝፍፅሙዎ ግፍዒ ኣሐይሎም ይቕፅልሉ ከምዘለዉ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ሎ።
ኣተሓባባሪ ጉዳይ ማሕበራዊ ከተማ ማይፀብሪ ኣይተ ጉዕሽ ደሳለኝ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝገለፅሉ ኣብዚ ቕነ ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ 510 ነበርቲ እታ ከተማ ናብ ከተማ እንዳባጉና፣ካልኦት 438 ነበርቲ እታ ከተማ ድማ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣትዮም ኣለዉ።
ካብዚኦም እተን 360 ደቂ ኣንስትዮ እየን።
ዕጡቓት ኣምሓራ ትማሊ ዕለት 14 ለካቲት 2016 ዓ/ም ኣተሓሳስባ ትግራዋይነት ኣለኩም ብዝብል ን68 ሰላማውያን ነበርቲ እታ ከተማ ብመንነቶም ጥራሕ ከምዝኣሰሩዎም፣ ንሓደ ሰላማዊ ሰብ ከምዝቐተሉን 28 ሰላማውያን ነበርቲ ብቕልጡፍ ነታ ከተማ ለቒቖም ክወፁ ዝእዝዝ ምልክታ ከምዝጠቅዑሎምን እቶም ኣተሓባባሪ ተዛሪቦም።
ኣማሓዳሪ ወረዳ ፀለምቲ ኣይተ ካሕሱ ኣባይ ከምዝሓበሩዎ ድማ ኣብዚ ሰሙን ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ 520 ነበርቲ እታ ወረዳ ናብ ከተማ እንዳባጉና ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ተመዛበልቲ ወገናት ጥራሕ ኢዶም ዝመፁን ብነዊሕ ጉዕዞ እግሪ ዝተዳኸሙን ብምዃኖም ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም እቶም ኣካላት ኣመራርሓ ኣረዲኦም።
ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ወረዳ ፀለምትን ከተማ ማይፀብርን ዝፍፅሙዎ ዘለዉ ግፍዒ ኣሐይሎም ይቕፅልሉ ከምዘለዉ እቶም ኣካላት ኣመራርሓ ወሲኾም ገሊፆም ክብል መሳርሕትና ኪዳነማርያም ብርሃነ ፀብፂቡ።
