ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)ን ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጀነራል ኣበባው ታደሰን ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ሃገርን መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኳታር ካሊድ ቢን መሓመድ ኣል ኣቲያህ ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ሓበራዊ ዛዕባታት ከምኡውን ምጥንኻር ርክብን ክልቲኣዊ ንትሕብባርን ኣብ ምጉልባት ዝጠመተ ልዝብ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ።
ከም ፀብፃብ ዘ ፔኑሱላ ኳታር፥ ቅድሚ መበል ሻምናይ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽንን ኮንፈረንስን ምክልኻል ሓይሊ ባሕሪ ዶሃ ዝተሳለጠ ዘተ ኢዩ።
