✍️ጉባኤ መግለፂ ዲሞክራሲና ስለዝኾነ ኢና ጉባኤ ዘካየድና። ኣብ ጉዕዞ 50 ዓመት ዘጋጥሙ ዝነበሩ ሓርጎፅጎፅ ጉባኤ እዩ ዝፈትሖም ነይሩ። ህዝባውነት ውድብ ዘረጋግፅ እውን ጉባኤ እዩ።
✍️ ቅድሚኡ 41 መዓልቲ ተዓፂና እንትንገማገም ውሽጣዊ ሕመቕናን ልኡኽ ደጋዊ ሓይሊ ዝኾነ ኣካልን ከምዘሎ ግልፂ ኮይኑ። በዚ ድማ ኩሉ ምሽጥር ውድብ፣ ትግራይን ህዝብን ይብተን ነይሩ። ድሕሪ እዚ ብሽምግልና ተፈቲኑ መፍትሒ ምስተሳእነ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ኣዳራሽ ውድብ ቀርቂርኩም ከይተጥፍእዋ ናብ ህዝቢ ትውረድ ተባሂሉ።
✍️ ሽዑ እውን ቅድሚ ጉባኤ ናብ ባይታ ከይንወርድ እንታይ ክንገብር ኢና ናብ ህዝቢ ንወርድ ዝብሉ ነይሮም። ብቃልሲ ኢና ናብ ህዝቢን ካድረን ክንወርድ ክኢልና።
✍️ ኣብ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ዝተወሰነ ጉባኤና ሕጋውን ዲሞክራሲያውን እዩ። ንምድንጋር ተባሂሉ ጉባኤ ዘካየደን ዘየካየደን ዝበሃል ኣፀዋውዓ የለን። እቲ ዘይተሳተፈ ካብ መስርሕ ወያነ ዝሰለመ እዩ ክበሃል ዘለዎ።
✍️መንበር ዝጨበጠ ሓይሊ ኣኼባ ከይካየድ ኢሉ ድምፂ ክዕፍን ፈቲኑ እዩ። ውድቀት ዝጅምር ድማ ንህዝቢ ምንዓቕ እንትትጅምር እዩ። ነዚ ሓፋሽ ብቓልሱ ሲዒርዎ ኣሎ።
✍️ውድብ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ሃንደበት ዝተለጠፈ ኣይኮነን። ህወሓት 1967 ቃልሲ ምስ ፈለመ ህዝባዊ ውግንንኡ ስለዝተረአየ ብሕርያ እዩ።
✍️ግዝያዊ ምምሕዳር ልኡኹ ንፁር እናሃለወ ህዝቢ ጠሊሙ እዩ። ውዕል ፕሪቶርያ ከፈፅም እዩ ተጣይሹ። ሰላም፣ ድሕንነት ህዝቢ ምርግጋፅ እዩ። እዚ ብዘይ ምዃኑ ህዝብና ክሳብ ሐዚ ኣብ ስደትን ተመዛቢሉን ይርከብ። ኣብ መረበቱ ዝርከብ ብሰላም ወፂኡ ዝኣትወሉ ባይታ ኣይፈጠረን።
✍️ ብውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ክትግበር ዝተሓሰበ ምጥያሽ ሰራዊት ትግራይ ፖለቲካዊ መሸቐጢ ኮይኑ ክብተን ይስራሕ ኣሎ።
👉 ኣብ መበል 14 ጉባኤ ዉድብ ህወሓት ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ዝነበረና ጉዕዞ ገምጊምና፤ ሓደጋታት እቲ ዉድብ ኣነፂርና፤ መፍትሒታት ኣነፂርናን ደምዳሚ ዉሳነታት ነፂርናን ኢና። ከም መስርሕ እቲ ዉድብ እዉን ሕጋዉን ዴሞክራስያዉን እዩ።
👉 እቲ ጉባኤ ዘይኣተወ ሓይሊ ናብ ገዛኢ ደርቢ ተሰጋጊሩ ኩሉ ዓይነት ዓፈናታት ይገብር ኣሎ። ደምዳሚ ዉሳነታት ኣዋጅ ምስ ህዝቢ ከይንዝቲ ከልኪሉና እዩ።
👉 ጄኖሳይድ ትግራይ ከም ኣጀንዳ ተረሲዑ እዩ። ነዚኣ ከም ሓላፍነት ዝተዉሃበቶ ኣካል ኣሎ። ናብ ተሓታትነት ከስግርስ ይትረፍ ከም ዛዕባ ኣይለዓልን።
www.youtube.com/woyennewspaper
