Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ ሓይልታት ፅንተት ብሓይሊ ኣብ ዝሓዝዎ መሬት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘካየድዎ ምብፅሕ ነቲ ከይዲ ሰላም ዝኾልፍን፣ ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ንዋጋ ዕዳጋ ዘቕርብን እዩ።

— ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

ኣብ ዝሓለፈ ዕለት ረብዕ ኣብ አዲስ አበባ ኣባላት ዲፕሎማት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዕላምኡ ዘይተነፀረ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ፅንተት ዝርከብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ዘሳለጥዎ ምብፃሕ ኣመልኪቶም ኣብ ገፅ ትዊተሮም ሓበሬታ ዝወዝዑ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ እቲ ተግባር ተቐባልነት ዘይብሉን አሜሪካ ነቲ ከይዲ ሰላም ኣብ ምዕዋት እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝቃረን ተግባር እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ብተወሳኺ ከምዝገለፅዎ እቶም ዲፕሎማት ሓይልታት ፅንተት ብወረራ ብሓይሊ ኣብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ምብፃሕ ምግባር ማለት ብሓይልታት ፅንተት ብሓይሊ ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ኣፍልጦ ከም ምሃብ ይቑፀር ኢሎም።

እቶም ዲፕሎማታት ብዘይሕጋውያን አማሓደርቲ ኢና በሃልቲ ኣብ ዝተደረሰ ድራማ ምስታፎም ግልፂ ኣይኮነን ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ እዚ ተግባር ኣሜሪካ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ እትገብሮ ድጋፍ ዝፃረርን ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ ክብሉ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *