Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ዝምልከቶም ኣበል ክኽፈሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም።

ኣባላት እታ ማሕበር ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ በደል ኣብ ልዕሌና እውን በፂሑ እዩ ድሕሪምባል፣ ድሕሪ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ግን ዝግበኣና ኣበል ክኽፈለና ይግባእ እንተነበረ’ውን ኣይተወሃበናን ኢሎም።

ስለዚ’ውን መንግስቲ ፌደራል መሰሎም ኣኽቢሩ ኣበሎም ክኸፍሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ እዮም ኣሳሊጦም ዘለዉ።

ሓላፊ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕሰና ሰራሕተኛታት መንግስቲ ርጅን ሰሜን ኣይተ ክንፈ ኣዳነ እቶም ጡሮተኛታት ዘቕረብዎ ሕቶ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብምብፃሕ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ኣለዉ።

እቶም ጡሮተኛታት ዘለውዎም ሕቶታት ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቅራብ ናብ ቤትፅሕፈት እቲ ምምሕዳር ኣምሪሖም ኣለው።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *