Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣቀባብላ ሓርበኛታት ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ

ሓርበኛታት ተመለስቲ ሰራዊት ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ናብ ማሕበረሰቦም እንትበፅሑ ኣቀባብላ ክብሪ ተገይሩሎም።

ድሕንነት ህዝብና ንምኽባር ኢና ናብ ቃልሲ ወፂና ንህዝብና ድማ መስዋእትን መቁሰልትን ከፊልና ዝበሉ እቶም ሓርበኛታት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብዝተጀመረ ከይዲ ሰላም መሰልን ድሕንነትን ህዝብና ክኽበር ተስፋ ብምግባር ኢና ናብ ናብራና ንምለስ ዘለና ኢሎም።

ምስ ህዝብና ብምትሕብባር አብ ስራሕቲ ልምዓትን ፀፅታን ግብኡና ክንፍፅም ኢና ክብሉ ድማ ገሊፆም።

ደቆምን አሕዋቶምን ብክብሪ ናብ ህዝቦም ብምምላሶም ታሕጓሶም ዝገለፁ ነበርቲ እታ ወረዳ ንተመለስቲ አባላት ሰራዊትን ስድራ ተጋደልትን ዝገብርዎ ደገፍ አጠናኪሮም ከም ዝቅፅሉ አረጋጊፆም።

አብቲ ሰነ ስርዓት አቀባብላ ጀጋኑ አባላት ሰራዊት ዝተረኸቡ ዋና አማሓዳሪ ወ/አሕፈሮም አይተ ሓየሎም ገ/ፃድቃንን ካብ አመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ገብረ ድንግል በርሀን ተመለስቲ ሓርበኛታት ተጋደልቲ አብ ባይታ ዘጋጥምዎም ፀገማት ተፃዊሮም ምስ ህዝብን በቢብርኩ ዝርከቡ አካላት አመራርሓን ብምንባብ አብ ስራሕቲ ፀፅታን ልምዓትን ግብኦም ክፍፅሙ አተሓሳሲቦም።

ኣብቲ መድረክ ኣቀባብላ ሓርበኛታት ተመለስቲ አባላት ሰራዊት አብ ከባቢኦም ምስ ከዱ ከጋጥሙዎም ዝክእሉ ፀገማትን መፍቲሒኦምን፣ አብ ማሕበረሰብ ዝህልዎም ተሳትፎን ከምኡውን ብሕብረተሰብን ብአካላት አመራርሓን ክግበረሎም ዝግባእ ደገፍን ካልኦት ዛዕባታትን ብዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *