ክብርታት በዓል ኣሸንዳ ፣ ማርያ ፥ ዓይኒዋሪ ብዝሓለወ መልክዑ “በዓል ኣሸንዳ ንሰላምን ንሕውየትን “ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እቲ በዓል ንምብዓል ምድላዋት ይውገን ኣሎ ኢሉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ።
እቲ ቢሮ ንጋዜጠኛታት ይህቦ ኣብ ዘሎ መግለፂ ፣ በቲ በዓል ንሕውየትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ከም ዝስራሕ ዝገለፁ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኣፅበሃ ገ/እግዚኣብሄር ፣እቲ በዓል ኣብ መዓልቱ ኣብ ትግራይ ከምዝኽበር ቀፂሉ ካብ ትግራይ ወፃእ ካብ 17-26 ነሓሰ ከምዝኽበር ገሊፆም።
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን እቲ በዓል ንኽኽበር ይሰርሕ ኣሎ ዝበሉ ዶ/ር ኣፅበሃ ገ/እግዚኣብሄር ፣ነሓሰ 16 ግን ካብ ትግራይ ወፃእ ከምዘይኽበር ገሊፆም።
ዶ/ር ኣፅበሃ ገ/እግዚኣብሄር ብተወሳኪ እቲ በዓል ሓድነትና ብዘጠናኽር መልክዑ ክኽበር ኩሉ ግቡኡ ክፍፅም ፀዊዖም።
