Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣራዊት ሰራዊት ሻዕቢያ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ዝፍፅሞ ግፍዒ ሐዚ እውን ይቕፅለሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ኣረመኔያዊ ሰራዊት ዝፍፅሞ መጭወይቲ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ዕለት 2 ሰነ 2015 ዓ/ም ካብ ጣብያ ዓዲ ኣሰር 14 ሰላማውያን ሰባት ጨውዩ ከምዝወሰደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

እቲ ኣረመኔያዊ ሰራዊት ኣብታ ወረዳ ወሪሩ ካብ ዝሓዘን ሓሙሽተ ጣብያታት ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ጣብያታት እውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ግፍዕን በደልን ይፍፅም ከምዘሎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ እታ ወረዳ ኣይተ መብራህቶም ገዛኢ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም።

ከም ሓበሬታ ኣይተ መብራህቶም እቲ ኣራዊት ሰራዊት ዕለት 2 ሰነ 2015 ዓ/ም ናብ ጣብያ ዓዲ ኣሰር ብዝተወደበ መልክዑ ብምእታው ን14 ሰላማውያን ነበርቲ ጨውዩ ወሲዱ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ 221 ከፍትን 17 ኣጣል እውን ሒዙወን ከይዱ ኣሎ። እቲ ኣራዊት ሰራዊት ካብ ጣብያ ገምሃሎ ፍሉይ ቦታ ሰፍኣ እውን 84 ከፍቲ ገፊፉ ከምዝወሰደን ኣይተ መብራህቶም ሓቢሮም።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *