ኤምባሲ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኢርቪን ማሲንጋ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ምስ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ፣ ኢሉ እውን ምስ መሪሕነት ህወሓት ተራኺቦም ፍርያምነት ዘለዎ ርክብ ከምዘካየዱ ፡ ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ልዕሊ ኩሉ ምትግባር ውዕሊ ሰላም ምቁራፅ ተፃብኦ መሰረት ኩሉ ሙኻኑ ሓቢሮም ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ኤርቪን ማሲንጋ ምስ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያን ህልዊ ኩነታት ትግራይን ከም ዝተመያየጡ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ሓቢሩ ፡፡
ቤት ፅሕፈት ህወሓት ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ፌስቡክ ከም ዝሓበሮ ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ትማሊ ሮብዕ 22 ነሓሰ 2016 ዓ/ም ምስ ኣቦ ወንበር ውድብ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ሓዊሱ ምስ ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ተራኺቦም ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያን ህልዊ ኩነታት ትግራይን ዘትዮም፡፡
ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ዘይምውፅኦም፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ዘይምውፅኡ፣ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ናብ መረበቶም ዘይምምላሶም ተገሊፅሎም እዩ ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ተሓታትነት ዘይምርግጋፁ ፣ ብመንነቶም ምኽንያት ተኣሲሮም ዝርከቡ ነበር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ተጋሩ ዘይምፍትሖምን ዝተሰረዘ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ዘይምምላሱን ብሓፈሻ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተቐመጡ መሰረታዊ ጉዳያት ብዘይምፍፃሞም ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጀኖሳይድ ብኻሊእ መልክዕ ይቕፅል ከምዘሎ ዝርዝር መብርሂ ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ ።
