Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ገምጋም ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፁ ተመላኺቱ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፣ ኣብ ካልኣይ ዙር ስትራቴጂካዊ ገምጋም ውዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝጎዓዙ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፣ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ውዕሊ ፕሪቶርያ ስራቴጅካዊ ገምጋም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ትፅቢት ይግበር ።

እቲ ገምጋም ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣብ ምግባር፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምውፃእን ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ምፍታሕ ብሓፈሻ ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝነበረ ምድንጓያት ንምእላይ ዝግበር እዩ።

እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ንክኸውን መንግስቲ ኣሜሪካ ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ድማ ኣፍሊጡ።

ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ፈላማይ ስትራተጂካዊ ገምጋም ኣፈፃፅማ ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ዝተኻየደ ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *