Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኤቪን ማሲንጋን መቐለ ኣትዮም

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳዶር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኤቪን ማሲንጋ መቐለ ኣትዮም፤ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሕ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ሞምሕዳር ትግራይ አይተ ጌታቸው ረዳ ድሙቅ ኣቀባብላ ገይሮምሎም ኣለዉ።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ቐረባ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሖም ምስ ኣምባሳዶር ማይክ ሃመርን ካልኦትን ተራኪቦም ምዝታዮም ይዝከር ።

ብድሕሪ እዚ እዩ ድማ ብኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡክ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዩ ዘሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ከምዝዛተዩ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
ይሕብር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *