Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣሜሪካ ፀገም እንትበፅሓ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምትሕግዛ – ቲቦር ናዥ

ኣሜሪካ ፀገም እንትበፅሓ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትሕግዝ ሓቀኛ ፈታዊት ኣሜሪካ እያ ክብል ናይ ቀደም ኣብ ኣሜሪካ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር ናይ ኣፍሪካ ጉዳያት ሓጋዚ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዝነበረ ኣይተ ቲቦር ናዥ ሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማት ኣብ ምውፃእ ከይዲ ን ኢትዮጵያ መንግስትን  ኢፌዴሪ መከላከሊ ሰራዊትን ዝገበርዎ ድጋፍ ምስገና ኣቅሪቦም፡፡ ፕሬዚዳንት ባይደን ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ  ናይ ኣሜሪካ ሰራዊት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማት ዋሽንግተንን ቤተ ሰቦምን ንምወፃእ ኣብ ዝተገበረ ኦፕረሽን ኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ሓገዝ ምስግና ኣቅሪቦም፡፡

ቲቦር ናዥ ብወገኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ሓገዝ ን ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማታ ንምወፃእ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ኣመስጊኖም፡፡ ኣሜሪካ ፀገም እንትበፅሓ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትሕግዝ ሓቀኛ ፈታዊት ምኳና ገሊፆም፡፡ ኣብ ኣሜሪካ ውሽጢ መስከረም 11 ናይ ግብረ ራዕዲ ጥቅዓት ኣብዝበፀሓ እዋን ኢትዮጵያ ድጋፍ ከምዝገበረት ኣዘካኪሮም፡፡



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *