ሃማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ ኣሜሪካ ጦር ሓይላ ናብ እስራኤል ከምዘፀገዐት ተሰሚዑ።
ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ከምዝሓሮ÷ መጥቃዕቲ ሃማስ ስዒቡ ዋሺንግተን ኣውሮፕላን ዝሽከማ መርከባትን ተዋጋእቲ ጄታትን ናብ ምብራቕ ባሕሪ ሜዲትራንያን እናንቀሳሰት ትርለከብ፡፡
እቲ ወታደራዊ ምንቅስቓስ÷ መጥቃዕቲ ሃማስ ንምክልኻልን ንእስራኤል ሓገዝ ኣፅዋር ንምግባርን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን÷ ሃማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ “ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ዘስካሕኽሕ ተግባር” ክብሉ ምኹናኖም ይዝከር፡፡
ፕሬዚዳንት ኢብራሄም ራይሲ ኢራን ብግደኦም÷ “እስራኤል ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ኻደጋ እናውደቐት ትርከብ” ክብሉ ወንጂሎምዋ፡፡
