ኣሜሪካ ኣብ ዝተመረፁ ግዝኣታት ምብራቓዊ ሶሪያ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ገሊፁ።
እቲ መጥቃዕቲ ኢራንን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓትን ዝጥቀሙሎም ወተሃደራዊ ማእከላት ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ኣብ ምብራቓዊ ሶሪያ ክልተ ቦታታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ቀጥታዊ ትእዛዝ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢራቕን ሶሪያን ዝርከቡ መዓስከራት ሰራዊት ኣሜሪካ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዓፀፋዊ ምላሽ ንምሃብ ከምዝኾነ ድማ ኣር ቲ ፀብፂቡ።
