ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ(USAID) ስኮት ሆክላንደር ፣ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብ ብርክት ዝበሉ ዋኒናት ምይይጥ ከምዘካየዱ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።
እቲ ኤምባሲ ከምዝሓበሮ፣ ዳይሬክተር ሆክላንደር ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ፣ተቋሪፁ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ኣብ ዝጅምረሉ ኩነታት ዝተላዘቡ ኮይኑ ካብኡ ብዝዘለለ ኣሜሪካ ብኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ዳግም ሕውየታ ኣብ ዘረጋግፁ ዓውድታት ከምትሳተፍ ከምዘረጋገፁ ሓቢሩ።
ዳግመ ሕውየትን ተፀዋርነትን ተግራይ ኣብ ዘረጋግፁ ዓውድታት ሃገሮም ከምትሳተፍ ዝገለፁ ሆክላንደር ፣ፍሪያምነት ሕርሻን ኣብ ምዕባይ ፣ኣብ ምስፍሕፋሕ ደረጅኡ ዝሓለወ ግልጋሎት ጥዕና፣ ኣብ ምስፍሕፋሕ ቀረብ ፁሩይ ዝሰተ ማይን ፅሬት ውልቀንከባብን ኣብ ምሕያል ብሓፈሻ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ኣብ ዘረጋግፁ ዓውድታት ከምትሳተፍ ዳይሬክተር ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ (USAID) ስኮት ሆክላንደር ኣረጋጊፆም ክብል እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ፣ዳይሬክተር ሆክላንደር ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ ብኣካል ከምዝተዓዘቡን ኣብኡ ዘሎ ገዚፍ ፀገም ኣብ ምቅላል ዝዓለመ ምይይጥ ከምዘካየዱን ሓቢሩ ኣሎ።
