ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶሪያ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ኲናት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚሊሻታት ኢራን ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሰራዊት ኣሜሪካ ንዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ምላሽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኤፍ 15 ተዋጋእቲ ጄታት ኣሜሪካ ትማሊ ምሸት ብዝፈፀምኡ መጥቃዕቲ ኣብ ሶሪያ ዴር ኤል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ኲናት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ አሶሺየትድ ፕሬስ ፀብፂቡ።
