Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣሜሪካ ብኢራን ይድገፋ ኢዮም ኣብ ዝበለቶም ሚሊሻታት መጥቃዕቲ ፈፂማ

ኣሜሪካ ኣብ ኢራቕ ዝንቀሳቐሱን ብኢራን ይድገፋ ኢዮም ዝለቶምን ሚሊሻታት ዝጥቀሙሎም ሰለስተ ትካላት መጥቃዕቲ ምፍፃማ ኣፍሊጣ።

እቲ መጥቃዕቲ ጉጅለ ሚሊሻ ካታይብ ሂዝቦላህን ካልኦት ምስ ኢራን ርክብ ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ጉጅለታትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ተዛሪቦም።

“እቲ ስጉምቲ ኣብ ኢራቕን ሶሪያን ዝርከቡ ጉጅለ ዕጡቓት ኣሜሪካን መሓዙታን ንዝፍነዉ መጥቃዕቲታት ኣፀፋዊ ምላሽ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ዝሓፈ ሰሙን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምዕራብ ኢራቕ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ብዙሓት ወታደራት ኣሜሪካ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *