ናይ ብሄራዊ ተሃድሶ ኮሚሽን ኮሚሽነር ዝከነ አምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ናይ አሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡክ ማይክ ሐመር ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ምስ ዑጥቃት ተታሒዙ ዝገበር ዘሎ ተግባራትን ካልኦት ጉዳያትን ኣዋጊዖም፡፡ ኣብ ዙሪያ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዝተረከበ ውፂትን ተስፋታትን ምዝታዮም አምባሳደር ተሾመ ቶጋ ኣብ ማሕበራዊ ገፅም ሓቢሮም፡፡ ናይ ኣሜሪካ ድጋፍ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብተወሳኪ ዘቲዮም፡፡ ማይክ ሐመር ምስ ግዚያዊ ምሕደራ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መቀለ ብምካድ ዘተ ምግባሮ ዝዝከር እዩ፡፡
