ዩክረይን ኣንጻር ሰራዊት ሩስያ ኣብ እተካይዶ ዘላ ውግእ ክላስተር ቦምባታት ኣመሪካ ትጥቀም ከምዘላ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኪርቢ ከምዝገለጾ፡ እቶም ኣጽዋራት ኣብ ልዕሊ መስመራት ምክልኻል ሰራዊት ሩስያ “ኣድማዒ” ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ፈላማይ ዳህሳስ የመልክት።
ብዙሓት ተፈንጨልቲ ቦምባታት ዝብትኑ ክላስተር ቦምባታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብሰንኪ ዝፈጥርዎ ስግኣት ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ተኸልኪሎም እዮም፡፡
ኣመሪካ ግን ዓቕሚ ኣጽዋር ዩክረይን ንምሕያል ክላስተር ቦምባታት ከተቕርበላ ተሰማሚዓ፡፡
ዩክረይን ብወገና ብዝሒ ዘለዎም ሰራዊት ሩስያ ንምብታን ጥራይ ከምእትጥቀመሉ ቃል ኣትያ፡፡
ነቶም ቦምባታት “ብግቡእ ይጥቀሙሎም ኣለዉ” ዝበለ ወሃቢ ቃል ኪርቢ፡ ድሮ ኣብ ልዕሊ ምክልኻልን ኣሰላልፋን ሰራዊት ሩስያ ጸቕጢ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ዩክረይን ኣብ ክረምቲ ኣብ ዝጀመረቶ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣጽዋር ትውድእ ከምዘላ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃባ ኣመሪካ ክላስተር ቦምባታት ክትልእኽ ዝወሰነት ኰይና፡ እቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ትጽቢት ካብ ዝተገበረሉ ንላዕሊ ዝሑልን ዋጋ ዝሓትትን ኰይኑ ኣሎ።
ቢቢሲ
