Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ዓሰብ ዘራኽባ መስመር ጽርጊያ ኣብ ምዝዛም ትርከብ፡

ብወገን ኤርትራ፡ 71 ኪ/ሜተር ዝንዉሓቱ መስመር “ዓሰብ – ቡሬ”፡ ኣብ 2019 ኣቢሉ ከም’ዝተዛዘመ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ፡ ንኢትዮጲያ ናብ’ዚ መስመር ዘራክባ “ማልዶኒ ማንዳ – ቡሬ” ኣብ መፈጸምትኡ ይበጽሕ ከም ዘሎ ሚኒስትሪ መጎዓዝያ እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብ 2021 ዝፈለመ ህንጸት ጽርግያ “ማልዶኒ ማንዳ – ቡሬ”፡ ብተመሳሳሊ 71 ኪ/ሜትር ንውሓት ዘለዎ፡ ብቻይናዊ ኩባኒያ፡ “ሻንዶንግ ሊኲኖ ግሩፕ” ዝዕየ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ እዋኑ ናይ 2-ቢሊዮን ብር” ፕሮጀክት ምኳኑ ተነጊሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሎሚ ኣስፋልትን ኮንኪሪትን ተነጺፍዎ ኣብ ምዝዛም ይርከብ።

ወደብ ዓሰብ ዘመናዊ ንምግባሩን ጽርግያ ዓሰብ-ቡሬ ናብ ኣርባዕተ መስመራት ንምስፋሑን መደብ ከም’ዘሎ ዉን ብተወሳኺ ተፈሊጡ ኣሎ።

ህንጸት እዚ ምስ ኢትዮጲያ፡ ተወሓደ ብ3-ዓበይቲ መስመራት – ማለት፡ “ጽርግያ ዓሰብ – ቡሬ”፡ “ጽርጊያ ሰርሓ”፡ ከም’ኡ ዉን “ጽርጊያ ኦምሓጀር – ሑመራ”፡ ድሕሪ ኣዋጃት ሰላም ኤርትራ – ኢትዮጲያ (ኣስመራን ጅዳን)፡ ኣብ እዋኑ ተበጋጊሱ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ህንጸቱ ተጎናዲቡ ጸኒሑ።

ኣብ’ዚ ሰዓት ድማ፡ እንተወሓደ ብመንገዲ ዓሰብን ኦምሓጀርን – ዘሎ ህንጸት፡ ክቀላጠፍ ትጽቢት ይግበር።

NationalEr

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *