Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኢትዮጵያ ምስ ኮሪያ ብምትሕብባር ፕሮጀክት “ስማርት ሲቲ” ኣብ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክትገብር ኢያ

ኣብኢትዮጵያ ፕሮጀክት “ስማርት ሲቲ” ንምጅማር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ስምምዕነት ተገይሩ፡፡

እቲ ሰለስተኣዊ ስምምዕነት ቅድመ-ምድላው ክታሞም ዘንበሩ÷ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ ኮንሰርቲየም ፕሮጀክት መንግስቲ ኮሪያን ህንፀት ፕሮጀክታት ከተማታት ኢኮ-ኣረንጓዴ ስማርት ሲቲ ዘተሓባብር ትካል ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር  ሃገሬ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ምምዕነት ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ዝምልከቱ ጉዳያት ዘጠቓልል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣይተ ፈንታ ደጀን÷ እቲ ፕሮጀክት ጋህዲ ንኽኸውን እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ከምዝገብር ተዛሪቦም፡፡

ዝትግበሩ ፕሮጀክታት÷ ሕርሻ ከተማ፣ ሕርሻ ቡን፣ ሓለዋ ጥዕና፣ ትምህርቲ ሞያ፣ ስርዓት ኤሌክትሮኒክን ብሄራዊ ኢንዱስትሪያል ኮምፕሌክስን ዘማእኸሉ ከምዝኾኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ፋና

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *