Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ፋይናንስ 400 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ሰነድ ስምምዕነት ደገፍ ፋይናንስ 400 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም።

እቲ ደገፍ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ኣሓመድ ሽዴንን ሚስተር ኦስማን ዲዮንን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ካብቲ 400 ሚሊየን ዶላር እቲ 350 ሚሊየን ደገፍ ልምዓት እንትኸው፥ 50 ሚሊየን ድማ ብልቓሕ ዝተውሃበ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብቲ ኣገልግሎት ኣብ መላእ ሃገር ዘለዉ መናእሰይን ጎርዞታትን ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣወሃህባ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምጥንኻርን ንምፍፃምን ግደ ኣለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

fana

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *