ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ስምምዕነት ድጋፍ 1 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም።
እቲ ደገፍ፥ ነበር ተዋጋእቲ እግሪ ንምትካል ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኮሚሽነር ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋን ኮሚሽነር ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምትግባር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
