ኢራን ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣወሃሂዱ’ዩ ኢላ ንዝኸሰሰቶ ስዊድናዊ ትውልደ ኢራን ሓቢብ ቻብ ረሺናቶ።
ሓቢብ ቻብ መራሒ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ናይ ዝርከቡ ብሄረ ዓረብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ንምቛም ናይ ዝቃለሱ ተነጸልቲ ጉጅለ’ዩ።
ንሱ ኣብ 2020 ኣብ ቱርኪ ብኣባላት ስለያ ኢራን ክሳዕ ዝጭወ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ስውዲን ይቕመጥ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስውዲን ቶብኣስ ቢልስትሮም፡ መንግስቲ ስውዲን ኢራን ንሓቢብ ቻብ ንይትርሽኖ ተማሕጺኑ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
“እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኢ-ሰብኣውን ዘይትካእን መቕጻዕቲ ስለዝኾነ ስውዲን ምስ ካልኦት ኣባል ሃገራት ኣውሮፓ ብምዃን ንተግባር ኢራን ንኹንን” ኢሉ።
ኢራን ንሓቢብ ቻብ ኣሕፋዝ ሓራ ንምውጻእ ናይ ዝቃለስ ዓረባዊ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ሓራካት ኣል ኒዳል ስለ ዝመስረተ ብራዕዳዊ ጉጅለ ሰይማቶ እያ።
እታ ኣብ ደቡብ ምዕራባዊ ኢራን እትርከብ ግዝኣት ብሃብቲ ነዳዲ ዝሃብተመት ኮይና፡ ብብዝሒ ናይ ዓረብ ዘርኢ ዘለዎም ህዝቢ’ዮም ዝቕመጡላ።
ንሳቶም ብመንግስቲ ኢራን ኣድልዎ ከምዝበጽሖም ክገልጹ እንከለዉ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ንክሲ እቶም ውሑዳን ህዝቢ ይነፅጎ።
ምንጪ፡ ቢቢሲ
