Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኢራን፡ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሴን ኣሚር ዓብደላሂያን፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እትገብሮ መጥቃዕቲ እንተዘየቋሪጻ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣሜሪካ፡ ንመንግስቲ እስራኤል ወተሃደራዊ ደገፍ ብምሃብ “ተሓታቲት” ምዃና’ውን ገሊጹ።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ንሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህዝቡ ንህይወቱ ኣብ ውግእ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣንጻር ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድማ ናይ ‘’ሞትን ሕየትን” ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኢራን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሙ 1400 ሰባት ዝቐተለ ሓማስን ንናይ ሊባኖስ ሕዝቦላህን እያ እትድግፍ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ልዕሊ 4,600 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝሓየለ መልክዑ ትቕጽሎ ከምዘላ ገሊጻ።

ሚስተር ኣሚር ዓብዶላሂያን ኣብ ዝሃቦዎ ጋዜጣዊ መግለጺ “ኣሜሪካን ወኪላ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ብቕጽበት ደው እንተዘየቢሎምዎ ኣብ ዝዀነ ህሞት ዝዀነ ይዅን ነገር ከምዝከኣልን እቲ ዞባ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ከምዝኸውንን የጠንቅቕ” ክብል ካብ ቴህራን ተዛሪቡ።

ውጽኢት እቲ ኲናት “ከቢድን መሪርን” ከምኡ’ውን ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንእስራኤል እትህቦ ወተሃደራዊ ደገፍ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት “እስራኤል ብስም ኣመሪካ እተኻይዶ ናይ ውክልና ኲናት” ምዃኑ ዘርኢ መርትዖ ምዃኑ ገሊጹ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ እቲ ግጭት ናብ ካልእ ከባቢታት ክዝርጋሕ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ኣለዉ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ዜጋታት ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ክህሉ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *