ኢራንን ቱርክን ኲናት እስራኤልን ሃማስን ደው ንክብል ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።
ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጋዛ ዝረአ ሰብኣዊ ቅልውላው ደው ንምባልን ቀጣናዊ ምርግጋዕ ንምፍጣርን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ብምግባር ተላዚቦም።
እቲ ኲናት ናብቲ ቀጠና ንከይሰፍሕ ምክልኻል ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።
ነዚ እውን እታ ሃገር ዶብ ሰገር ጎንፂታት ንምክልካል ብምውዳድ ከምዝሰርሑ ምስምዕምዖም ኣረብ ኒውስ ፀብፂቡ።
