Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

አብ ወረዳ ዓዴት ዝርከብ ጣብያ ጥዕና ጅራ ብልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ይፅገን ከምዘሎ ዳይሬክተር እቲ ጥዕና ጣብያ አፍሊጡ።

አብ ወረዳ ዓዴት ዝርከብ ጣብያ ጥዕና ጅራ ብልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ይፅገን ከምዘሎ ዳይሬክተር እቲ ጥዕና ጣብያ አፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ብዝተፈፀመ ፅንተታዊ ኩናት ኣብ ወረዳ ዓዴት ዝርከባ ትካላት ጥዕና ከምዝዓነዋ ኮይነን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጣብያ ጥዕና ጅራ ፀላእቲ ብተደጋጋሚ ዕንወት ዝበፅሖ እዩ ነይሩ ።

አብዚ ሕዚ እዋን ግና ጣብያ ጥዕና ጅራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ብዓለምለኸ ተራድኦ ህፃናት (ዩኒሴፍ) ብልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ወፃኢ ይፅገን ከምዘሎ ዳይሬክተር ጥዕና ጣብያ ጅራ አይተ ፀጋይ ተሰፍሃንስ ገሊፆም ።

እቲ ጥዕና ጣብያ ብምዕናዉ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ግልጋሎት ሕክምና አብ ምርካብ ይፅገም ከምዝነበረን ሕዚ ብዝግበረሉ ዘሎ ፅገናን ቀረብ ናውቲ ሕክምናን ዝሓሸ ግልጋሎት ይርከብ ከምዘሎ እቶም ዳይሬክተር ሓቢሮም ።

ዩኒሴፍ ዘካይዶ ዘሎ ፅገና ቀንዲ ዕላምኡ ሓፈሻዊ ግልጋሎት ሕክምና ንምምሕያሸ እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ወላዳትን ህፃውንትን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ዓሊሙ ሙሉእ ፅገና ይገብረሉ ከምዘሎ እቶም ስራሕ መካየዲ ወስኾም ገሊፆም።

አብቲ ጥዕና ትካል ዘዘራረብናየን ግልጋሎት ወሊድ ዝረኸባ አዴታት ከሞዝበልኦ አብ ዝሐለፉ ዓመታት ሳአን ግልጋሎት ጥዕና አብ ከቢድ ፀገም ከምዝነበራን አብዚ ሕዚ እዋን ግን ብዝተረኸበ ጭላንጭል ሰላም እቲ ብወረርቲ ሓይሊ ዓንዩ ዝነበረ ጥዕና ትካል ብዝተገበረሉ ፅገና ዝሓሸ ግልጋሎት ይረኽባ ከምዘለዋ እተን አዴታት ገሊፀን ክብል ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን እታ ወረዳ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *