Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ንዕደና ወርቂ ተባሂሉ መሬት ትግራይ ብሓደገኛ ኬሚካል ይባድም ከምዘሎን ኣብ ውሽጢ 4 ወርሒ ልዕሊ 28 ኩንታል ወርቂ ካብ ትግራይ ከምዝወፀን ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ዝኣተወ ገንዘብ ከምዘየለን ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ገሊጾም።

እቶም ፕረዚደንት ምስ ፓሊስ፣ሓይሊ ፀጥታን ናይ ፍትሒ መሓውርን ብምዃን ኣብዚ ጉሕለት ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ተሓታትነት ከምዝረጋገጽ እውን ኣመላኺቶም።

ፓለቲካ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነታት ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ፕረዚደንት ፤ ህወሓት ንምድሓን ንምድርዳር ድልው ምዃኖም ኣመላኺቶም።

መንግስቲ ፌደራል ህወሓት ውሽጣዊ ጸገማቱ ፈቲሑ ክመጽ እዩ ዝገልጽ ዘሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ፤ እንተዘይኮይኑ እቲ ስልጣን ብልጽግና ከምዝብሕቶ ግልጺ ከምዝገበረ እውን ሓቢሮም።

ኣርምታት እናጸዋዕዃ ስም ምጥፋእ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ዘመላኸቱ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፤ኣብ ሓይሊ ጸጥታ ዝግበር ጸለመ ሓደገኛ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይሰርሕ እናተሰረሐ ኣብ ዝመጸሉ ከይዲ ከም ምምሕዳር ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ኢሎም።

ኣብ ቀረባ ኣብ ጉዳይ ኣፈጻጽማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝካየድ መድረኽ” ኣነ እየ ዝሳተፍ ኣነባ ናብ ዝብል ተኣትዩ ኣሎ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝተማለአ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ጉድለታት ከምዘሎው ገሊጾም።

ምስ DDR ተታሒዙ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንትምልሱ ድማ ፤ 75 ሽሕ ዝምለስ፣ዝጽንበርን ዝጣየሽን ሓይሊ እዩ ዘለና ብምባል ፣DDR ብምፍጻም ዝፍጠር ስግኣት ከምዘየለ ኣረዲኦም።

ኣብ ዞባና ዓብይ ምዕባለ ይፍጠር ከምዘሎ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ፣ኣብዚ ዞባ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ንምርግጋጽ ዝፍጠሩ ዘለው ፈተናታትን ዕድላትን ምትንታን ከምዘድሊ ኣመላኺቶም።

# ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *