ንኢትዮጵያ ብኽለመዳይ ዓውዲ ናብ ምዕባለ ምጓዓዝና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ሎሚ መበል 88 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣኽቢርና ኢሎም። መሰረተ ልምዓትን ዘመናዊ ዕጥቅታትን ንምምላእ፣ ብቴክኖሎጂ ንባዕልኻ ንምብቃዕ፣ ብቑዕን እኹልን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ፣ ዝተገበረ ፃዕሪ ሪፎርምና ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ኣርኢና ኢና ኢሎም። እቲ በዓል ሓይሊታት ኣየር ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢሚሬትስ ዓረብን ብሓባር ዘቕረብዎ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣየር ብምትሕብባር እንተተሰሪሑ ዝብፃሕ ብርኪ ዘርኣየ ከምዝኾነ ሓቢሮም። ንኢትዮጵያ ብኽለመዳይ ዓውዲ ናብ ምዕባለ ምጓዓዝና ክንቅፅል ኢና ኢሎም።
