Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ንቼ ጉቬራ ዝማረኸ ቦሊቭያዊ ጀነራል ሞይቱ

እቲ ንኤርነስቶ “ቼ” ጉቬራ ማሪኹ ሃገራዊ ጅግና ዝተበሃለ ቦሊቭያዊ ጀነራል ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።

ኣብ 1967 ጋሪ ፕራዶ ሳልሞን ኣብ ቦሊቭያ ብሓለውቲ ሰበስልጣናት ኣመሪካ ዝድገፍ ወተሃደራዊ ስርሒት መሪሑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብቼ ጉቬራ ዝተወደበ ኮሚኒስታዊ ናዕቢ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ቦሊቭያ የማናዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ነይርዋ።

እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተወልደ ቼ ጉቬራ ኣብ ቀይዲ ምስ ኣተወ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ወተሃደራዊ መኮንን ተቐቲሉ።

ኣብቲ እዋን ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ዝነበረ ዝሑል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ፤ ኣመሪካ ብዛዕባ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘሎ ኮሚኒስታዊ ጽልዋ፡ እንተላይ ንጥፈታት ቼ ጉቬራ ኣዝያ ተሻቒላ ነይራ።

ቼ ጉቬራ፡ ድሕሪ ሰውራዊ ዓወት ኩባ፡ ኣብ 1959 ኣብ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ዝካየዱ ምንቅስቓሳት ክመርሕ ካብ ኩባ ግዒዙ።

ቼ ኣውራ መሓዛ መራሒ ኮሚኒስት ኩባ ፊደል ካስትሮ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኮሚኒስታውያን ድማ ከም ጅግና ይርእይዎ።

ወዲ ጀነራል ፕራዶ፡ ንኣቦኡ “ዘይተለምደ ሰብ” ክብል ገሊጽዎ፤ “ሕድሪ ፍቕሪ፡ ቅንዕናን ትብዓትን” ከም ዝገደፈ’ውን ተዛሪቡ።

ምንጪ፡ ቢቢሲ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *