Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ንትግራይ ዝቐርብ ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክዉስኽ ከምዝግባእ ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍ ንትግራይ ዝግበር ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክዉሰኽ ይግባእ ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ምክትል ፈፃሚ ዳይረክተር ዩኒሴፍ ቴድ ችያባን (Ted Chaiban) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣብ ትግራይ ዝረኣይዎ ኣዝዩ ግዘ ዘይህብን ብፍላይ ህፃናት ብኸቢድ ሰብኣዊ ቕልውላው ዝተሃስየሉ ከባቢ ሙኻኑ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ትግራይ ሳዕቤናት ቅልውላውን ምዝባዕ ኩነታት ኣየርን መጠን ዝሓለፎ ሕፅረት ምግቢ ምኽሳቱን ነቲ ደረት ሓሊፉ ዘሎ ከባቢታት ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ህይወት ናይ ምድሓን ደገፉ ዝያዳ ከሐይል ይግባእ ክብሉ ፀዊዖም።

ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ መጠን ዝሓለፎ ፀገም ክሳብ ቐፃሊ ዝሓሸ ዝበሃል ፅጉብ ወቕቲ እውን እንተኾነ ምቕፃሉ ኣይተርፍን ዝበሉ ቴዲ ችያባን ነቲ ዝኸፍአ ንምክልኻል ብፍሉይ ንህፃናትን ስድራቤቶምን ብቕልጡፍ ክንድግፍ ኣለና ኢሎም።

ንህፃናት ኣንፃር ከቢድ ሕዱር ሕፅረት መግቢን ሳዕቤናቱን ካልእ ሕማማትን ክንሕክሞም ክንክእል ኣለና ፡ ብሓፈሻ ድማ ነቶም ኣብ ፀገም ጥሒሎም ዝርከቡ 6.5 ሚልዮን ወገናት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ንኽረኽቡ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዙ ከጠናኽር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *