ንትግራይ ሰኣልዋ ብዝብል መድረኽ ስነ-ጥበብ ስእሊ (ቅብኣ) ተኻይዱ ።
ኣብ ኣሜሪካ ማእኸል ኮሚኒቲ ትግራይ ኣብ ኮሎራዶ (Tigray Community in Colorado ) ንትግራይ ሰኣልዋ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዛዕባ ትግራይ ዘለዎም ኣፍልጦን ስምዒትን ብቀለማት ቅብኣ ስነ ጥበብ ስእሊ ናይ ምግላፅ መድረኽ ኣሳሊጡ።
ብበዓልቲ ሞያ ቅብኣ ( ስነ ስእሊ) ሳባ እናተሓገዙ ናይ ፅባሕ ተስፋ ዝኾኑ ሰገናት ሓዊሱ ተሳተፍቲ ዝኾንሉ ንትግራይ ናይ ምስኣል መድረኽ ስነ ጥበብ ብርክት ዝበሉ ወገናት ተሰታፍቲ ከምዝኾኑ እቲ ማእኸል ገሊፁ ኣሎ ።




