Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ንትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ኢትዮጰያ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንብዙሕ ኽፋላት ሕብረተሰብ ብዝኸፍኣ ይሃሲ ምህላዉ ዋና ተፀዋዒ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍቲዝ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ በቲ ቅሉዕ ኩናት ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ዝርከብ ህዝቢ ብዝኸፍኣ ይሃስዮ ምህላዉ : ማርቲን ግሪፍቲዝ ኣመልኪቶም።

ግዘ ብዝኸደ ቑፅሪ እቲ ኹነታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ምህላውን :ህይወት ግዳያት ንምድሓን ዘሎ ፀቢብ ዕድል ብኣግባቡ ብምጥቃም ህፁፅ ርብርብ ክግበር እዉን ፀዊዖም።

እቲ ኸቢድ ሓደጋ ካብዚ ዝበኣሰ ዋጋ ከየኽፍል ዝግበሩ ሓገዛት ክብርኹ ይግባእ ክብሉ እዉን እቶም ዋና ተፀዋዒ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *