Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ንመበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ብማተሰኣ ዝተዋህበ መግለፂ

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝጀመረ ውድብ ህወሓት ልደት በዓል ለካቲት 11 ንመበል 49 ጊዜ ምስ ህዝቡ ኾይኑ ንምኽባር ኣብ ዓብይ ምድላው ይርከብ ኣሎ። ነዚ ክቡር በዓል ህዝቢ ትግራይ እዚ እንትነኽብር፣ ቅድም ክብል ብሄራዊ ሓርነትን ማዕርነትን ዲሞክራሲን ልምዓትን ንምምፃእን፣ ድሕሪኡ እውን ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተላፊኖም ንዝኸፈትዎ ናይ ፅንተት ወራር ኣብምምካት ናይ ህይወትን ኣካልን ክቡር መስዋእትነት ዝኸፈሉን ዝኸፈላን ጀጋኑናን ጀግናታትናን እናዘከርናን ዝገደፉልና ሕድሪ ከምዘይነዕብር ቃል እናኣተናን ኢና።

እዞም በይዛ ህዝቢ ንምዃን ንፃት እኳ ንድሕሪት ዘይብሉ ጅጋኑ ደቂ ህዝቢ ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ንዝተለምዎ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፀ መሬት ናይ ምፅናት ትልሚ ብምፍሻል ኣገዲዶም ናብ መድረኽ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣምፂኦምዎ እዮም። እዚ ድማ ፍረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ዲያስፖራ ትግራይን ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ውዕሊፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ኣፋፍኖት ሰላም ዝረኸበሉ እኳ እንተኾነ ብምሉእነት ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ሕዚ እውን ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ብተስፋሕፋሕትን ባዕዳዊያን ወረርትን ተጎቢጡ ይርከብ፣ ዝተመዛበለ ህዝብና ኣብ ስደትን መዕቖብታትን ተብቲኑ ይሳቐ ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ ፅንተት ገበን ዝፈፀሙ ዛጊድ ኣይተሓተቱን፣ ካብ ኩሉ ብዝገደደ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብና ብዓፀቦ ኣደዳ ሞት ኮይኑ ኣሎ። ስለ ዝኾነ ድማ መበል 49 ዓመት በዓል የካቲት 11 እንትነኽብር እዚ ኹሉ ፀገማት ህዝብና እናዘከርና ዝተዓፃፀፈ ቃልሲ ክምእንቃልስ ቃል እንኣትወሉ ክኸውን ይግባእ ንብል።

ብምዃኑ ማተሰኣ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ዘሎ ኩሉ ዲያስፖራ ትግራይን ስቪክ ማሕበራትን ብምትሕብባር ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይ ክኽበር፣ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ጥቅዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ፍትሒ ክረኽባን ብሓፈሻ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ተባሂሉ ብሽሙ ክፅዋዕን ቃልስና አጠናኺርና ክንቅፅል ምዃና ክነረጋግፅ ንፈቱ። ብተወሳኺ እውን ሰማእታትና ዝሓደጉልና ሕድሪ ንምኽባር ብመሰረት ዝኣተናዮ ቓል ኣብ መበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ዝርከብ ናይ ገንዘብ እቶት ብሙሉኡ ንስድራ ስዉኣትን ጥቅዓት ንዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይን ሓገዝ ንኽውዕል ማተሰኣ ወሲኑ ኣሎ።
ናይ መበል 48 ልደት 11 ለካቲት እቶት እውን ንተመሳሳሊ ድጋፍ ከምዝወዓለ ዝዝከር እዩ።

11 ለካቲት ንመበል 49 ዓመት ከም ህዝቢ እንትነኽብር ኣብ ዉሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ንዝራኣዩ ናይ ሓድነት ፀገማት ፈቲሕና ብኩለ መዳይ ኣብ ፀገም ውሽጢ ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዚና ከምእንቃልስ ቃል እነኣትወሉ ዕለት ክኸውን ይግባእ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ማተሰኣ ፀገማት ህዝብና ንምፍታሕን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብዝግበር ቃልሲ ምስኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ተሓባቢሩ ንኽቃለስ ድልዊ ምዃኑ ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ኸብርን ሞጎስን ንሰማእታትና!

12/28/23

UTNA

Washington, DC .

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *