Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ንሕወሓት ሕማቅ ዝብል ዝወደብካዩ ሓይሊ ሰብ አለኩም?

#ኢትዮጵያ_ንዳግማይ_ወራር!

እዚ ልዕሊ 85% ብተወለድቲ ኦሮሞን + ሲዳማን + randomly የዕለቅሊቁ ዝርከብ ሓደሽቲ ሰልጠንቲ #ሰራዊት_ኢትዮጵያ(ናይ ኩሽ ኣክቲቭ ሰራዊት በልዎ) 

#መስኖ_ከልምዕ

#ህንፃ_ክሃንፅ

#ፅርግያ_ክፅግን,,,,ካልኦትን ልምዓታዊ ዕዮ ክዓምም ካብ ፈቀዶ ጎዶናታት ዝተኣካበ ከይመስለካ,,,,,ቀንዲ ናይዚ ብቢልዮናት ባጀት ተሰሊዕሉ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ሽሾ ናይ ኩሽ ሰራዊት ንዳግማይ ወራር እዩ።

#ፍትሒ ንዝሓተቱ መናእሰይ ዓድዋ ኣሲሮሞም ኣለው ።

ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ደሃያ ካብ ዝጠፍእ ኣዋርሕ ሓሊፎም ፍትሒ ንምሕታት ኣብ ከተማ ዓድዋ ሸዊት ሆቴል ከባቢ ሰለማዊ ሰልፊ ፀዊዖም ንዝነበሩ መናእሰይ ሓፊሶሞም ኣሲሮሞም ።

ዝተኸደንዎ ቲሸርት ኣውፅእዎ እናበሉ እናጋፍዑ እዮም ድማ ወሲዶሞም።

እሞ መን ኣሕዋትና ይዕፈነን ከምዘሎ ድዮም ዝነግሩና ዘለው ?

#ፍትሒ እንተሓቲትካ መሰልካ እንተሓቲትካ ትዕፈነላ ዓዲ 😑

ተጋዳላይ 

ብዛዕባ እዛ “#ተጋዳላይ” ትብል ናይ ክብርቲ ሓፍትና ማህሌት ደርፊ ግራ ልአትወንሎ ሕቶ እኒአኒ….

ብሓቂ አነለ እዛ ደርፊ መሊአ እኳ ክሰምዓ አይኽእልይ ልምንታይ ስለ ተብክየኒ!!

አብዚ ቐረባ ግዝያት ግና ምስ እዛ ደርፊ እዚኣ ተተሓሒዙ ብዙሕ ቪድዮታት ይወጽለዉ ።  እቶም ቪድዮታትለ ገሊኦም አብ ጥቓ አዋሽ(ጉዱአት ተጋደልትና ለለዉሉ ቦታ) ኾይኑ እዚ ደርፊ እናተደረፈ ቕርሺ  ኣብ መድረኽ ትንስንስ ትሪኦ እሞ ናማን #ተጋዳላይ ትብልዎ ኸብዱ እንድሕር ልበልዖስ አብ አዋሽ ኸይዱ ቕርሹ ኣብ ጥቕሚ ተለውዕሎ ዶ የመሓሸይ⁉️  ልብል ሕቶ ይፈጥረለይ…

ኻሊእ  ሎሚ ሎሚ ልመጽእሎ “ጓልኹም ሃቡና” አብ ልብሉ ቕጥዒ ለይብሎም ድግሳት፡ ኸዚለ ብዚ ደርፊ ትቅወጥ ይርኢ ግና እቲ ኸብዶም ልበልዖም ተጋዳላይ ርሑቕ የኾነይ እኒኦ፡ ልበልዖይ ለሐክሞይ ስኢኑ አብ ድሕሪ ገዝኦም እዩ ልሳቐሎ‼️

ኻሊእለ ብዙሕ ምጥቃስ ይከኣል እዩ……

እሞስ ናማን እዞም ምእንትአና ተጎዲኦም አብ ከቢድ ስቓይ ጥሜትይ ወዲቖም ለለዉ ተጋደልትናስ፡ ስሞም ላልዐልና ወይለ ብስሞም ላሸቐጥና ንዓብድ ምህላውና ትሰምዑ ተለዉስ ብኣና ሃምይ ሃምልሓዝኑ ይፍለጠና ዶ ሎ ይኾን⁉️

እሞማ፡ ላብ ውነና ተመሊስና እዚ  ብስሞም ንስዕስዐሉ ለለና ኣንፃራዊ ሰላም ልተገነየ ሳላኣቶም ምዃኑ ዘኪርና ፡ ብቲ ኣብቲ ደርፊ ለሎ ቃላትለ “ናይማን እንድሕር ንነብዕ ሃሊናስ”  እቲ ፈቖዶ ስሞም እናልዐልና ንንስንሶ ለለና ኣቕራሽ ንብዓት ተጋደልትናይ ስድራ ስውኣትናይ ኣብ ምሕጋዝ ተነውዕሎ ዶ የመሓሸይ⁉️

ሊሊቲ ገ 

ይበል ዘ ብል ተግባር ። 

ክብሪ ንጀጋኑና💪💪

ትካል ገባሪ ሰናይ ሕውየት ን10 ጀጋኑ ዝተሰናበቱን ኣካሎም ምእንታና ዝጎደሉን ኣብ 70 ካሬ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዝነብሩን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ብልዕሊ 100,000 (ሓደ ሚእቲ ሽሕ ቅርሺ) በጀት ብምምዳብ ብማሕበር ተወዲቦም ዝሰርሕሉን ሂወቶም ንክመርሑ መንገዲ ዝኾኖምን ኣብ መሰልጠኒ ማእኸል ኤሊዛ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውፅኢት ሳሙና ስልጠና ክረኽቡ ዕድል ብሙሙችቻይ ሎምዓንቲ ኣመሪቑ። 

ኣፍቲ ምረቓ ብቐጥታ ናብ ስራሕ ዝእትዩዎም ናውቲ ብምምላእ ስራሕ ዝጅምሩሉ ባይታ ንምፍጣር እውን ዝተፈላለዩ ናውቲ ገዚኡ ኣረኪቡዎም ኣሎ።

እዚ ተግባር ካልኦት ኣካላትን ገበርቲ ሰናይ ድርጅታትን ክኽተልዎ ዝግባእን ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ምፍጣር ከም ተሞክሮ ክውሰድ ይግበኦ። 

ነዚ ስነልቦናውን ሞያውን ሙሉእ ስልጠና ዝሃቡልና ሓውና ዶክተር ሓፍቶም የማነ ዘለና ዝለዓለ ክብሪ ካብ ልቢ እንትንገልፅ ብድሕሪ ሕድሕድ እንገብሮም ሓገዛት ዘይሕለል ድጋፍኩም ትገብሩልና ዲያስፖራ ተጋሩን ደገፍቲ ህዝቢ ትግራይን ወገናትና ብሻላኹም እዩሞ የቐንየልና ክንብል ንፎቲ። 

❤💛 ትግራይ ትሓዊ!💛❤

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *