ዓርቢ 19 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስቲ ፌደራልን ግቡእን ህፁን ምላሽ ክህብሉ ፃዉዒት ኣቕሪቡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ፌዴራል ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ብምእኣስ ፥ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወፀ “ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ካብ 1977 ዓ/ም ዝነበረ ጥሜት ዝገደደ እዩ፣ብምዃኑ ድማ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ኣቓልቦን ህፁፅ ምላሽን ክህበሉ ይግባእ” ዝብል ዘሕለፎ መልእኽቲ ፍፁም ስሕተትን ፖለቲካዊን እዩ ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ግዚያዊ ምምሕዳር ወቒሱ እዩ።
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕስዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ነቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተውሃብ መግልፂ መልሲ ዝሃቡ ኮይኖም ንቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብኣዊ ሓገዝን ማዕኸናት መራኸብቲ ሓፋሽን ዘረጋገፅዎን ዝሰነድዎን ብሰንኪ ኩናትን ሓደጋ ድርቅን ንሓደጋ ጥሜትን ሰብኣዊ ቕልውላዉን ዝተቓልዑ ሚልዮናት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ፃውዒት ህፁፅ ምግባር ፖለቲካዊ ዘብሎ ከምዘይኮነ ኣብ ገፅ ትዊተር ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ንኽሲ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ፌደራል ነፂጎም።
እኳደኣስ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ፌዴራል ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ቅልውላው ንምግታእ ዝገበሮ ፃውዒት ነቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ እዩ ኢሉ ምሕሳቡን ነዚ ከቢድ ቅልውላው ፖለቲካዊ ምግባርን ዘሕዝን እዩ ዝብሉ ፕሬዚዳት ጌታቸው ረዳ እቲ ሓቂ ግን ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ዝተሓላለኸ ሰብኣዊ መዓት ህፁፅ ምትእትታው ፃውዒት ምባል ፖለቲካዊ ዘብል ነገር የለን ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብምቕፃል እዚ ብኩናትን ብድርቅን ስዒቡ ንሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ሞትን ዘሳጥሕ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ብሽም እኹል ሓገዝ ይገበር ኣለኹ ዝብል መግለፂ ሚኒስተር ኮሚዩኒኬሽን ፌዴራል ክብደት እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ንምቅላልን ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስቲ ፌደራልን ንቲ ሓደጋ ዝምጥን ህፁፅ ምላሽ ንኸይገብሩ ዝዓግት እዩ ድማ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ንቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኩናትን ዘጋጠመ ድርቂን ስዒቡ ህይወት ሰብን እንስሳን ዝቐጥፍ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ዝምከት ብዝተዋደደ ወፍሪ መንግስቲ ፌደራልን ዓለምለኻዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ስለዝኾነ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እዉን ንዚ ሓሳብ ከምዝድግፍዎ ይግንዘብ እየ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ነዚ ኣብ ግምት ብምእታዉ ድማ ነቲ ብሓደጋ ጥሜት ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ንምድሓን መንግስቶም ሕፁፅ ምላሽ ክህብ መምርሒ ክህቡን ሓላፍንቶም ክዋፅኡን ኣተሓሳሲቦም።
ማሕበረሰብ ዓለም እዉን ነዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ንምግታእ ብዘይወዓል ሕደር እኹል ረዲኤት ከቕርብ ፃዉዒቶም ኣቕሪቦም።
