እቲ ስልጠና ካብ ሎሚ 03 መስከረም 2016 ጀሚሩ ንሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልታት ዝቕፅል ስልጠና ከምዝኮነ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፣ ኣብተን ስራሕ ዝጀመራ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ልዕሊ 37,000 መምህራንን ኪኢላታት ቤት ፅሕት ትምህርትን ክዋሃብ እዩ።
እቲ ስልጠና ቀንዲ ትኹረቱ ኣብ ኣገዳስነት ምትእትታው መስርሕ ሕውየት ስነ ልቦና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትምህርቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ፣ኣግባብ ኣፈፃፅማ ዝተሳለጠ ትምህርቲ፣ ከምኡውን እንታይነት ዝተሳለጠ ትምህርቲ ኣብ ትግራይን መፈፀሚ መምርሕታትን ዝጠመተ ምዃኑ እውን ተገሊፁ ኣሎ።
