_ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ
ህዝቢ ከተማ ሞኾኒን ከባቢኣን ንግዝያዊ ምምሕዳስ ትግራይ ዘለዎ ደገፍ ንምግላፅ ኣብ ዝተዳለወ ሰልፊ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ ንህዝብናን ትግራይ ‘ንኸፍሎ መስዋእትነት ንድሕሪት ከምዘይምለስ ከረጋግፀልኩም ይደሊ “ኢሎም።
ህዝቢ ራያ ሰላም ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ኣብ ዝተገበረ መኸተ ኩሉ ዓንነት ስራሕ ዝሰረሐ ህዝቢ እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ ካብ ጫፍ ጫፍ ትግራይ ሓድነትና ሓሊና ኣብ ልዕሌና ዝግበር መኸተ ጠንኪርና ክንምክት ይፅውዕ ኢሎም።
ህዝቢ ሞኾኒ ኣንፃር ተፈጥሮን ፀላእትን ዝምክት ዓቕሚ ዘለዎ ህዝቢ እዩ ብምባል ድማ ሓድነትና ብምጥንኻር ዘይንሰግሮ ፅዕንቶ ከምዘየለ ከረጋግፀልኩም ይደሊ ኢሎም።
ኩሉ ምንቕስቃስና ንህላወን ድሕነትን ትግራይ ብዝህልዎ መንገዲ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፤ ትግራይ ናብ ውሕስ ብርኪ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ ምይይጣት ኣብ ቀፃሊ ምስ ህዝቢ ሞኾኒን ከባቢኣን ከምዝካየድ ኣመላኺቶም።
ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ወራር ፅንተት መኪትና ኣብዚ በፂሕና ኣለና” ዝበሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኢሮስ ብወገኖም፤ ህዝቢ ሞኾኒ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዘርኣዮ ደገፍ ኣመስጊኖም።
እቲ ደገፍ ኣብ 2017 ዓ/ም ጠንኪርና ስራሕና ክንዓምም ስንቂ እዩ እውን ኢሎም ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ።
