Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ናይ ክልልት ትግራይ ተመሃሮ ዘይሳተፍሉ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ተፈተንቲ ናብ ዝተመደቡሉ ዩኒቨርሲቲ ይኣትዉ ኣለዉ

ብሄራዊ መልቒ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወስዱ ተፈተንቲ ማሕራዊ ሳይንስ ናብ ዝተመደቡሉ ዩኒቨርሲቲ ምእታው ጀሚሮም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ካብ ልዕሊ 11 ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ተፈተንቲ ማሕበራዊ ሳይንስ ተምሃሮ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ ይርከቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ተፈተንቲ ናብ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤ፣ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ኢትዮጵያ፣ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባን ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ስልጠናን ፌዴራል እናኣተዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ 24 ሺሕን 775 ተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ፈተና ከምዝወስዱ ካብ ቢሮ ትምህርቲ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ቀዳማይ ዙር ተፈተንቲ እናተቐበለ ይርከብ።

እቲ መልቀቒ ፈተና ካብ 19 ክሳብ 21 ሓምለ 2015 ዓ.ም ከምዝወሃብ ይፍለጥ፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *