እቲ ኣብ ዝሓለፈ 15 ሚያዝያ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ውግእ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ሂወቶም ንምድሓን ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ተጋሩ፡ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጾም።
እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ወሃቢ ህፁፅ ደገፍን ዝተወልዐ ውግእ፡ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሸሚምዋ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት፡ ሂወቶም ንምድሓን ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ፡ ብሰንኪ’ዞ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ውግእ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከም ዝርከቡን፡ ኣብተን መዓስከራት ሰብኣዊ ረድኤትን ክትትልን ዝገብርሎም ዝነበሩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ’ውን ገዲፈሞም ብምውጽኦም፡ ኣብ ሕሱም ኵነታት ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብመሰረት ሓበሬታ ዩኤንኤችሲኣር፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከርዝርከቡ ስደተኛታት 58 ሽሕ ይበጽሑ።
ምንጭ፡ ቢቢሲ
