
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ገለ ካብተን ብኲናትን ዕልዋ መንግስታትን ዝተሃስያ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ኣባል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኰይኑ ኣብ ጻዕሪታት ምርግጋጽ ጸጥታ ዝነጥፍ ዝነበረ ጀነራል ዓብዱራህማነ ትያኒ፡ ሕጂ ገዛእ ሃገሩ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዓቢ ቅልውላው ኣበጊሱ ኣሎ።
ጀነራል ትያኒ፡ ብዝነበሮ ትሕት ዝበለ ደረጃ ክሳብ’ዚ ቅድሚ ዕልዋ ዘካየደሉ ቀረባ ግዜ ካብ ዓንኬሉ ወጻኢ ብዙሕ ዘይፍለጥን ዝነበረ ኰይኑ፡ ነቲ ክከላኸለሉ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ኣውዲቝ ካብቲ ጽላሎት ክሳብ ዝወጽእ ኣዛዚ ሓለዋ ፕረዚደንት ኒጀር እዩ ነይሩ።
ንሱ፡ ንነብሱ ቀንዲ መራሒ ናይቲ ብ26 ሓምለ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዝተመስረተ ወተሃደራዊ ጕጅለ ‘ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ሃገር’ ምዃኑ ኣዊጁ’ሎ።
እቲ ሓላፊኡ ነበር ከኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክጸንሕ ተገይሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ባዙም ምስ ኣህጉራውያን መራሕቲ ስፍሕ ዝበለ ርክባት ተሌፎን ዝገብር ዘሎ ይዅን እምበር፡ ብኻልእ መዳይ ግን ተነጺሉ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ።
ጀነራል ትያኒ፡ ነቲ ዕልዋ ንምቕልባስ ይዅን ኣብ ዙርያ’ቲ ጉዳይ ዝቐረበሉ ሓሳባት ክሳብ ሕጂ ንዅሉ ነጺግዎ እዩ። ንመብዛሕትኦም ኣህጉራውያን ልኡኻት ነጺጕ’ኳ እንተነበረ፡ ንኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ነበር ኣሚር ካኖን መሓመድ ሳኑሲን ግን ትማሊ ብረቡዕ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ካልኣይቲ ምክትል ጉዳያት ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ቪክቶርያ ኑላንድ፡ ብሰኑይ ኣብ ኒጀር ዑደት ኣብ ዘካየደትሉ፡ ምስቲ ወዲ 62 ዓመት ጀነራል ንኽትራኸብ ኣይተፈቕደላን።
ልኡኽ ውድብ ቍጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) እውን ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ወጻኢ ክበጽሕ ኣይተፈቕደሉን።
እቲ ረቡዕ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ካልኣይ ሓባራዊ ተልእኾ ኤኮዋስ፡ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን፡ እቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ክራኸቦም ግቡእ ግዜ ከምዘይኮነ ድሕሪ ምግላጹ ተናዊሑ።
