Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ነቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ዝምጥን ምንቅስቓስ ብምግባር ትግራይ ናብ ዝሓሸ ለውጢ ክነሰጋግራ ይግባእ ።

—ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወልደጊዮርጊስ (መዲድ)

ዘይተመለሱ ቑዕፊ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ምላሽ ንክረኽቡ ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ኣፅኒዑ ክቃለስ እውን ፀዊዑ።

ነቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ምዕራፍ ቓልሲ ንምስግጋር ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን መቑሰልትን ልዑል ክብሪ ሂብካ ብቐፃልነት ነቲ ዝተኸፈለ መስዋትን መቁሰልትን ዝምጥን ቓልሲ ብምክያድ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ሃዋሁው ለውጢ ምስግጋር ከምዝግባእ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወልደጅወርግስ (ጆን መዲድ) ተዛሪቡ።

ህዝቢ ትግራይ በቲ ኩነታት ዘበፅሖ ግፍዕን መከራን ተበሊፆም ዘካይድዎ ዘለው መልክዑ ዝቐየረ ቓልሲ ፀላእቲ ንምክሻፍ ከም ህዝቢ ነቲ ሕዚ ኣቲናዮ ዘለና ሰላማውን ዴፕሎማስያውን ምዕራፍ ቓልሲ ንምዕዋት ከም ተጋሩ ብተናፀል እንተይኮነስ ተወዲብና ኣብ ድልዱል ሓድነትናን ስምረትናን ዝተመርኾሰ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን ምውናን ከም ዝግባእ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወልደጅወርግስ( ጆን መዲድ) ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወዳእታ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምምላሱ ዘይቀሪ እዩ ዝበለ ተጋዳላይ ዮውሃንስ ወልደጅወርግስ እዚ ዝኸውን ግን ብሰላማውን ዴፕሎማስያውን ቓልሲ ምዃኑ ኣሰሚርሉ ሓሊፉ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *