Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ምጅማር ትምህርትን ዩኒቨርስቲ መቐለ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ።

እዚ ዝተገለፀ ብኣምባሳደር ቼክ ሪፓብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚራስሎቭ ኮሴክ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዑደት ኣብዝተሳለጠሉ እዋን እዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ኣመራርሓ ዩኒቨረስቲ መቐለ ዝዘተየ ኮይኑ፤ ቼክ ሪፓብሊክ ነቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ትሕግዘሉን ካልኦት ጉዳያትን ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ዕላዊ መራኸቢ ማሕበራዊ ሚድያ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣመልኪቱ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *