Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ቻይና ንኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቻይናን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር) ብዛዕባ ስራሕቲ እቲ ኢንስቲትዩት ገለፃ ገይሮም፡፡

ክልቲአኦም ትካላት ኣብ ስራሕቲ ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ምርምርን ልምዓትን ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ፡፡

ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቻይና ሬን ሆንግቦ ብግደኦም፥ ትካሎም ነቲ ኢንስቲትዩት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ኢንስቲትዩት የመላኽት፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *