
መጋቢት 16 2015 ዓ/ም ብምትሕብባር ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን፣ ዓለም ለኻዉያን ምሁራን ተጋሩን Global Consulting Group ”ትግራይ ከመይ ነላልያ / Branding Tigray /” ዝብል ዛዕባ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ክሳለጥ ውዒሉ ።
ቱሪዝም ትግራይ ፣ታሪኽ፣ባህልን ሃይማኖታዊ ክብርታት፣ቃልስን ጅግነትን ፣ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ትግራይ ብኩለመዳያዊ እወንታዊ ምስሊ ትግራይ ንምህናጽ ኣብ መድረኽ ዓለም ምልላይ ዝዓለመ መድረክ እዩ፡፡ ክብሪታት ትግራይ ምልላይን ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓና ንምልዋጥን ዘብራህርህ ዋዕላ ተካያዱ፡፡ ኣብቲ ዋዕላ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ትካላትን፣ ኪኢላታትን ሰራሕተኛ መንግስተን ተሳተፍቲ ነይሮም፡፡
