ትግራይ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተዓዊታ ዶ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ናይቲ ቃልሲ ዕላም እንታይ ነይሩ ? ብስምምዕ ከ እንታይ ተዓዊቱ?፡ እንታይ ከ ኣስኢኑ ዝብል ምፍታሽ የድሊ። ዝኮነ ኲናት ቅድሚ ውግእ ምውልዑ ናይ ሓሳብ ግጥም ጎንፂ ኣብ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣእምሮ ይጅምር፡፡ ናይ ሓሳብ ግጥም ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ምርካብ ዓቅሚ እንትስእን ናብ ወታደራዊ ጎንፂ የምርሕ፡፡ እንተኮነ ብወታደራዊ ሓይሊ ዘሸነፈ ኣካል ንግዚኡ ዝሰዓረ እንተመሰሎ ናይ ተሽናፊ ኣካል ሓሳብ ብሓይሊ ንግዚኡ እንተተጓዕፀፀ ግዜ ሓሊዩ ከም ባሓዱሽ ምልዓሉ ኣይቀርን፡፡ ኲናት ዘላቂ ፍታሕ ክረክብ እንተኮይኑ ናብቲ ኲናት ዘእተው ኣታሓሳስባታት ተስማዕሚዖም ክዕረቁ ወይ ንከይስማዕምዑ ክስማዕምዑ እንተለው እዩ፡፡ 2013 ኵናት ትግራይ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተቃርኖ ሓሳባት ከይዲ ውፅኢት እዩ። ብቲ ሓደ ወገን ህወሓት ዝመርሖ ናይ ትግራይ ሓይሊ እንትኮን በቲ ካልእ ድማ ብልፅግና ኦሮሞ ዝመርሖ ፌደራል ሓይሊ (ኩለን ክልላት
ሓዊሱ ) ፣ ሓይሊ ኣምሓራ ፣ ሃገረ ኤርትራ ፣ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ልዕለ ሓያላን ዓድታትን ነናይ ባዕሎም ዕላማ ንምስካዕ ብግልፅን ስውርን ዝተሳተፍሉ ዓውደ ኲናት እዩ፡፡ …..Read More
