Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ትግራይ ሃገር ለኸ መድረኽ እግዚቪሽን፣ ባዛርን ስምፖዝየምን መፍረይቲ ትካላትን ንግዳዊ ምንቅስቓስ ትግራዋይ ካብ ዝቕፅል 24 መስከረም ኣብ መቐለ ክሳለጥ እዩ።

ሰላምና ነፅንዕ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንህነፅ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝሳለጥ ብምትሕብባር ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ፣ ዘፈር ማሕበራት ትግራይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ፌደራልን ከምዝተዳለወ ድማ ተገሊፁ።

ብኲናት ዝዓነዉ መፍረይቲ ትካላት ኢንዳስትሪ፣ ኮሞርሻል ሕርሻ፣ መዓድንን ቴክኖሎጅን ካልኦት ዓውድታትን ንምንቕቓሕ ዝዓለመ ምዃኑ ቢሮ ኢንዳስትሪን ዘፈር ማሕበራትን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መፍረይቲ ኢንዳስትሪታት ብሰንኪ ቅሉዕ ኲናት ካብ ዝበፅሖም ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ተናጊፎም ናብ ንቡር ሰርሖም ንክምለሱን ንዳግመ ህንፀት ትግራይን ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎ ትፅቢት ይግበር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *