ኣብ ትግራይ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ካብ ዝጅምር ድሮ ሓደ ሰሙን ገይሩ፤ መምህር ጽገ ኣበራ’ውን ዝበለየ ክዳኑ ተኸዲኑ፡ ኮንጐ ጫማኡ ወድዩ ናብ ስርሑ ተመሊሱ’ሎ።
ዝምህረሉ መጽሓፍቲ፡ ብርዒ ይዅን ጸሊም ሰሌዳ ግን የብሉን።
“ክዳን ዘይብሉ፡ ገዛኡ ገዛ ዘይመስል መምህር ኣለና’ዩ፤ ግን ምስ ጸገምና እቲ ስራሕ ክንሰርሖ ኢና።”
መምህር ጽገ፡ ድሕሪ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ ደማዊ ኲናት፡ ናብቲ ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ክምህረሉ ዝጸንሐ መባእታዊት ቤት ትምህርቲ ነበለት ምምላሱ ኣዝዩ ሕጕስ እዩ።
ንዅነታት እቲ ቤት ትምህርቲ “ከምቲ ኣቦን ኣደን ዝነበርዎ ገዛ፡ ክልቲኦም ሓሊፎምስ (ሞይቶም) ብኽያትን ኣውያትን ዘይፈልጥ ህጻን ኣብ ገዛ በይኑ እንትቐሪ እዩ ዝመስል” ብምባል ይገልጾ።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ሽዱሽተ ኣዋርሕ’ኳ እንተኣቝጸረ፡ ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ንክኸዱ ስለ ዘየፍቀደ መምህር ጽገ ካብቲ ዘለዎ ወረዳ ነበለት ብቴሌፎን ኢና ኣዘራሪብናዮ።
መባእታዊት ቤት ትምህርቲ ነበለት ኣብ ዞባ ማእከል ወረዳ እምባ-ሰነይቲ እዩ ዝርከብ።
እቲ ከባቢ ካብቶም ጽዑቕ ውግኣት ዝካየደሉ ዝነበረ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ወተሃደራት ዝዓስከሩሉ፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት ከም ድፋዕ’ውን ዝተጠቐምሉ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብርክት ዝበሉ ናውቲ ትምህርቲ ዓንዮም፡ ተቓጺሎምን ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኰይኖም ኣለው።
“ቤት ትምህርትና፡ ሃብታም፡ መርኣያ፡ ሓድጊ እምባ ሰነይቲ’ዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ንብረት’ውን ነይሩዎ። ሕዚ ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ድጋፍ ተባሂሎም ዝውሰዱ ዝነበሩ ናውቲ ትምህርቲ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኰይኖም፡ ስባርን ዝተቓጸለን ንብረት ጥራይ’ዩ ተሪፉ ዘሎ፤ ኮምፒዩተራት የለዋን።”
ኣብ እዋን’ቲ ኲናት ናብቲ ቤት ትምህርቲ ምምልላስ ከም ዘየብኰረ ዝገልጽ መምህር ጽገ፡ “ሓዚንና፣ በኺና ንወጽእ ነይርና፤ ክነግልሶ ንኽእል ኣቕሓ ኣይነበረን” ብምባል ኣብቲ ትሕዝቶኡ ዝዓነዎ ቤት ትምህርቲ ኰይኑ ብተሌፎን የዋግዕ።
ከም ሓበሬታ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፡ ልዕሊ 88 ሚእታዊት ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእን ብኸፊልን ዓንዩ፤ ናብ ትምህርቲ ክኣትዉ ዝኽእሉ ኣስታት 2.4 ሚልዮን ህጻናትን መናእሰይን ድማ ትምህርቲ ኣቋሪጾም’ዮም ተባሂሉ ይግመት።
ቢቢሲ
