Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናብ ዝልዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ነዚ ዝበሉ ኣብ ወረዳ ፅምብላ ከተማ ዓዲገብሩ ብልዕሊ 50 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዶከተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ሎሚ ብዕሊ እንትምረቕ እዩ ።

በዓል ሃፍቲ ክብር ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ቅድም ክብል ብልዕሊ 350 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ሸውዓተ ደረጅኡ ዝሓለወ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ቃል ብምእታው እምነ ሰረት ከምዘንበሩ ዝዝከር ኮይኑ ካብተን ሸውዓተ አብያተ ትምህርቲ ፡ ኣብ ዓዲ ገብሩ እትረከብ ሓፈሻዊ ካልአይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዶክተር ዘርኡ ገብረሊባኖስ ህንፀቱ ተዛዚሙ ሎሚ 6 ጥሪ 2016 ዓ/ም ንምረቓ በቂዑ ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቃ ንፕረዚዳን ጌተቸው ረዳ ሓዊሱ ፣ላዕለዎት አመራርሓ መንግስትን ውድብን ኢሉ እውን ካልኦት ዑድማትን ተረኪቦም እዮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *